ምስ ዉልድካ ኮይንካ ጽውጽዋያትን ናይ ስእሊ መጽሓፍትን ምፍላጥ ወይ ድማ ምድህሳስ።
ብሓባር ምስ ዉሉድካ፣
• ጽውጽዋይ ምንጋርን ምስማዕን፣
• ናይ ስእሊ መጽሓፍቲ ምርኣይ፣
• ምጽዋትን ምዝማርን ኢደ ጥበብን
መን ክመጽእ ይኽእል፣
ወለዲ፣ ኣባሓጎታትካን ዓባያትካን፣
ካልኦት ካብ 2 ክሳዕ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ውሉዳት ዚከናኸንዎም።
መእተዊ ብናጻ እዩ።
«ጽውጽዋይ ንገረኒ»
ወለዲ ንደቆም ብመጀመርታ ቛንቋ ንኼተባብዕዎም ይድግፎም። እዚ ንውሉድካ ምፍትሕ ናይ ዓለም እዩ። ሓደ ቆልዓ ብመጀመርታ ቓንቓ ሓሳቡ ክገልጽ ብዝኽእል መጠን ካልእይ ቓንቓ ንኽመሃር ዝቐለለ ይኾነሉ።
Mit Sara Hagos, 078 953 79 88